afkirkani Lyrics
- Genre:Acoustic
- Year of Release:2023
Lyrics
ፍቅርኻ ብብርዐይ ክጽሕፎ ጀመርኩ
ቀለመ ኣግዲዑኒ ሽዓ ተጸንቂቑ
ኣይከኣልኩን ከቶ ሓሳበይ ክገልጾ
እምብዛ በሪኽ ኢዩ ፈጺመ ዘይበጽሖ
ኣየወዳድሮን እቲ ፍቅርኻ
ኣየወዳድሮንየ ምስ ካልእ ፍቅርኻ
ካብ ኣእምሮይ ንላዕሊ'ዩ
ካብ ኣእምሮይ ንላዕሊ'ዩ
ብዘይ ምኽንያት ኣፍቂርካኒ
እንታይ ዝኸፍሎ ኣሎኒ
ንዘልኣለም ኣፍቂርካኒ
እንታይ ውሬታ ኣሎኒ
ብምህሙነይ ከለኹ ዝለመሰ ኣካል
ተስፋ ኣብ ዝሰኣንኩሉ ብዘይ ፍረ ክኾልል
ካብ ላዕሊ ካብ ሰማያት ካብ ኣቦ ብሃንደበት
ከዲንካ ኣሟሚቕካኒ ብፍቅርኻ ክጉልበብ
ጸላእተይ ብጠቅላላ እንክብሉኒ ኣኸለ
ጸላእተይ ብሓበራ እንክብሉኒ ኣኸለ
ንምንጫት ኣስናኖም ዝዘርየለይ ከምዘየለ
ኣነ ግና ኣለኹ ብፍቅርኻ ተኸሊለ
ማይ ክትሰቲ ዘይኮነ ንሰማርያ መጺኻ
ፍቅሪ ከተስትየኒ ካብ ዘይውዳእ ዒላኻ
ንታሪኸይ ለዊጥካ ጌርካኒ ባርያኻ
ንሕሉፈይ ደምሲስካ ቀይርካኒ ባርያኻ
ኣየወዳድሮን እቲ ፍቅርኻ
ኣየወዳድሮንየ ምስ ካልእ ፍቅርኻ
ካብ ኣእምሮይ ንላዕሊ'ዩ
ካብ ኣእምሮይ ንላዕሊ'ዩ
written By Abraham Woldehawariat